ናይ ኮሮና ክታበትካ ወጥን

ኣብ መንጎ 16 መስከረምን 6 ታሕሳስን 2024 ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ናይ ኮሮና ክታበት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፡ 

  • ዕድሜኻ 60 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝኸውን (ስለዚ ካብ RIVM ደብዳቤ ክመጽኣካ እዩ)፤ 
  • ዕድሜኻ ልዕሊ 18 ዓመት ኮይኑ ነፍስወከፍ ዓመት ናይ ጉንፋዕ ክታበት ትወስድ እንተድኣ ኮይንካ፤ 
  • ብሕክምናዊ ምኽንያት ብኮሮና ብኸቢድ ናይ ምሕማም ተወሳኺ ስግኣት ዘለካ ምስ እትኸውን (ንኣብነት ናይ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማም እንተሃልዩካ)፤ 
  • ምስ ተኣፈፍቲ ሕሙማት ቀጥታዊ ርክብ ዘለካ ኣብ ክንክን ጥዕና ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ። 

ምስ GGD ብኸመይ ቆጸራ ትሕዝ? 

  1. ናብ planjeprik.nl ኪድ። ከምኡ እውን ኣብቲ ‘Afspraak maken’ ዝብል መጠወቒ ጠውቕ። እዚ ብቋንቋ እንግሊዝ ወይ ኔዘርላንድ ጥራይ እዩ ክግበር ዝከኣል። DigiD እውን የድልየካ እዩ። 
  2. DigiD የብልካን ድዩ? ስለዚ ብመንገዲ ቁጽሪ ተሌፎን 0800-7070 ቆጸራ ግበር። ኣብ ከምዚ ዝስዕብ እውን ናብዚ ቁጽሪ ተሌፎን ደውል፡ 
    • ካብ ናይ mRNA ክታበት ወጻኢ ካልእ ናይ ኮሮና ክታበት ትደልይ እንተድኣ ኮይንካ፤  
    • ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይኑ፤  
    • ብሰንኪ ከቢድ ሕማም ወይ ስንክልና ባዕልኻ ናብቲ ክታበት ዝወሃበሉ ቦታ ክትመጽእ ዘይትኽእል እንተድኣ ኮይንካ።