ናይ ኮሮና ክታበትካ ወጥን
ኣብ መንጎ 16 መስከረምን 6 ታሕሳስን 2024 ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ናይ ኮሮና ክታበት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፡
- ዕድሜኻ 60 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝኸውን (ስለዚ ካብ RIVM ደብዳቤ ክመጽኣካ እዩ)፤
- ዕድሜኻ ልዕሊ 18 ዓመት ኮይኑ ነፍስወከፍ ዓመት ናይ ጉንፋዕ ክታበት ትወስድ እንተድኣ ኮይንካ፤
- ብሕክምናዊ ምኽንያት ብኮሮና ብኸቢድ ናይ ምሕማም ተወሳኺ ስግኣት ዘለካ ምስ እትኸውን (ንኣብነት ናይ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማም እንተሃልዩካ)፤
- ምስ ተኣፈፍቲ ሕሙማት ቀጥታዊ ርክብ ዘለካ ኣብ ክንክን ጥዕና ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ።
ምስ GGD ብኸመይ ቆጸራ ትሕዝ?
- ናብ planjeprik.nl ኪድ። ከምኡ እውን ኣብቲ ‘Afspraak maken’ ዝብል መጠወቒ ጠውቕ። እዚ ብቋንቋ እንግሊዝ ወይ ኔዘርላንድ ጥራይ እዩ ክግበር ዝከኣል። DigiD እውን የድልየካ እዩ።
- DigiD የብልካን ድዩ? ስለዚ ብመንገዲ ቁጽሪ ተሌፎን 0800-7070 ቆጸራ ግበር። ኣብ ከምዚ ዝስዕብ እውን ናብዚ ቁጽሪ ተሌፎን ደውል፡
- ካብ ናይ mRNA ክታበት ወጻኢ ካልእ ናይ ኮሮና ክታበት ትደልይ እንተድኣ ኮይንካ፤
- ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይኑ፤
- ብሰንኪ ከቢድ ሕማም ወይ ስንክልና ባዕልኻ ናብቲ ክታበት ዝወሃበሉ ቦታ ክትመጽእ ዘይትኽእል እንተድኣ ኮይንካ።
ብኸመይ ብኢንተርነት ቆጸራ ክትሕዝ ከም እትኽእል ክትዕዘብ ትደልይ ዲኻ? ቪድዮ ረኣይ።